Friday, March 4, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ካልኣይ ክፋል
፪. ቅድስት

ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ።

ትርጉም ናይቲ ቃል ምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነት ቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ ፬፥፪) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ፤ ነተን ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ።

እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መክፍሊ እቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተ ክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውን ንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም።

ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉ ዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባህርይኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉ ገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባህርይኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። (ኢሳ ፮፥፩-፫ ፤ ራእ ፬፥፰) መሠረትን ምንጭን ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱ ድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ፤ ዘኽብር፤ ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። 

ሓቂ እዩ “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይቕጸለሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን (ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ቅዱሳን ንዋያት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልግሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳን በዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ንቕጽል ወይ ከምኡ ኢልና ክንጽውዕ ንርከብ ኣሎና። እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባህርያቶም ዘይኮነስ ምንጪ ቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕና ቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን ምሳሌኡን ብዝፈጠሮ ኣዳም ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ውርደትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና። ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (ቀዳማይ ጴጥ ፩፥፲፭-፲፮) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። (ቀዳማይ ተሰ ፬፥፯) ብተወሳኺውን ዘፍጥ ፩፥፳፮ ኤፌ ፩፥፫-፬ ነንብብ። 

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱ ከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለሉ፡ ሞተሉን ተንሥአሉን። አማን በአማን ኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነት ብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን። ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩ እግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክሕልወና ይግባእ።

ካልኣይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኾነት “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ካብቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ጸኒዑ ዝነብር ዘሎ ሕገ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳ ዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእ ፩፥፱)

ኣብ ሕገ ኦሪት ንሙሴ ካብ እተወሃቦ ፲ቱ ትእዛዛት ሓንቲ ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚኡ’ውን ሰባት ብሕገ ልቦና ይምርሑሉ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ’ውን ሰንበት ብእግዚአብሔር ከቢራ እያ። ከመይሲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ፮ መዓልቲ ፳፪ ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ ነታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ሰንበት ካብ ኵሉ ግብሩ ዘዕረፈላን ዝባረኻን ዕለት እያ። “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍጥ. ፪፥፪-፫) እስራኤላውያን ድማ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝተፈላለየ ሥርዓት የኽብርዋ ነይሮም። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙኅ ዕፁብ ታሪኽን ግብርታትን ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዕለተ ሰንበት ዝተረኽበ ዕረፍቲ ተምሳል ናይቲ ደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝረኸብዎ ዕረፍትን፡ ሃይማኖትን ሕገ ቅድስናን ኃልዮምን ኣኽቢሮምን፡ ክወርስዋን ንዘለኣለም ከዕረፉላን ናይ ዝትስፈውዋ መንግሥተ ሰማያት ኣምሳል ምዃኑ ኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።” (ዕብ ፬፥፱-፲) ብምዃኑ ድማ ሰንበት ቅድስቲ እያ እሞ ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። 

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳሚት ሰንበትን ሰንበተ ክርስቲያንን በብናተን ምኽንያት ብሓባር ብሓድነት ኽብሪ ዘለወን ምዃኑ ክውን ነገር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ዝኣመሰሉ ብዙኃን ሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታትና ብዛዕባ ሰንበት ብዙኅ ጽሒፎምን ኣመሥጢሮምን ይርከቡ። ከም እኒ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘንን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ዝኣመሰሉ ብዙኃን ቅዱሳን ኣቦታት ሃገርና’ውን ስለ ኽብሪ ሰንበት ብዙኅ ከምዝተጋደሉን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝፈጸሙን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝሕብረና እዩ።

ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባህርይኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስና ክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሔር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ ንሕናውን ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገር’ዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ እቲ ዚንዕቕ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ዘሎኹም። ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ ንምዕደኩም ኣሎና። ከምቲ ዝአዘዝናኩም ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ ንምዕደኩም ኣሎና።” (ቀዳማይ ተሰ. ፬፥፩-፲፫)

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ ኲሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።” (ቀዳማይ ጴጥ. ፩፥፲፫-መፈጸምታ)

ንፍቅ ካህን፦ “እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ ነቲ ዝዀነ ዅሉ ኣዘንትዩ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም። ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ ተመሰጠ። ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ። ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፤ ጴጥሮስ ተንስእ፤ ሐሪድካ ብላዕ ዚብል ድምጺ መጾ። ጴጥሮስ ግና ጐይታይ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ ዚብል ድምጺ መጾ። እዚ ሠለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን? ኢሉ ብልቡ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፤ ጸዊዖም ከኣ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ ሐተቱ። ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ መንፈስ እንሆ ሠለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፤ ስለዚ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሢእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም? በሎም። ንሳቶም ከኣ ንቆርኔሌዎስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። ኰነ ድማ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ ተንሥእ ኢሉ ኣተንሥኦ። ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙኃት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ሕዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል ኣምላኽ ኣርእይኒ። ምእንት’ዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።” (ግብ ሓዋ ፲፥፯-፴)

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦             እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ
                                     አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ
                                    ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ (መዝ ፺፭፥፭)

                                                       እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ።
                                                      ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ፡
                                                      ቅድስናን ግርማን ኣብ መቕደሱ እዩ፡

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን? ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን? ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። (ማቴ ፮፥፲፮-፳፭)

                                                                                                                           ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment