Saturday, March 12, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሣልሳይ ክፋል

ምኵራብ 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለት ሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩ ምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመረን እዩ። 

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ምኵራብ እናኣተወ ወንጌል የስተምህር፡ ተኣምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፡ ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተኣምራቱ እናፈወሰ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናና ክንዝክርን መልእኽቱ ድማ ኣብ ልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰበኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤት ጸሎት ዝተሰምየት ቤት መቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታ ነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረ ዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫) 

ምኵራብ ማለት ቃል ብቃል ዓቢይ ክንዲ ኵርባ ወይውን በረኽቲ ሕንጻታት ከም ማለት እዩ። ብናይ መጽሓፍ ኣተርጓግማን ብመንጽር ኣይሁድን ድማ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። ምኵራብን ቤተ መቅደስን ፍልልይ ኣለዎም። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ ዘመነ ብሉይ ሓንቲ ኮይና ታቦት ዝቕመጠላ፡ እግዚአብሔር ድማ ብኽብሩ ዝግለጸላ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት መካነ ኣምልኮት ሕዝበ እግዚአብሔር እያ ነይራ። እስራኤላውያን ናብዛ ቤተ መቅደስ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ሳዕ ክነግዱ ተኣዚዞም ነበሩ። ንሳ ድማ ኣብ ዘመነ ሙሴ ብደብተራ ኦሪት ትፍለጥ ዝነበረትን ዳኅራይ ብዘመን ንግሥነት ሰሎሞን ዝተሃንጸትን እያ። እግዚአብሔር ድማ ሰባት ኣብኡ ኮይኖም ንዝጽልይዎ ጸሎት ክሰምዕ ፈቓዱ ምዃኑ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ እያ ነይራ። ቤተ መቅደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክትስርሕ ኣይፍቀድን ነበረ። ሰባት ግና ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ገጾም ናብ ኢየሩሳሌም ኣቅኒዖም ይጽልዩ ነበሩ። ከም ኣብነት’ውን ነቢይ ዳንኤል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ ምኵራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ፡ ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ስፍራን ዓድን በብከባቢኦም መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን (ብሓፈሻ ቃለ እግዚአብሔር) ከምኡ'ውን ንጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ምርኮ ኣብ ስደት እንከለዉ ዝጀመርዎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ድማ ዝቐጸልዎን ምዃኑ ይንገር። 

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ከይተፍለየ ትምህርተ ወንጌል የብስሮም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ይብለና “ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” (ማቴ ፬፥፳፫) ቅዱስ ሉቃስ’ውን ብግዲኡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ይብለና። “ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ ኬንብብውን ተንሥኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር’ውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ኪብሎም ጀመረ።” (ሉቃ ፬፥፲፬-፳፩) እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብትምህርቱ ይግርሙ ነበሩ። 

ጐይታ ኣብ ምኵራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ መቅደስ’ውን ከይዱ እዩ። ንሱ ናብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ እታ መኅደሪ ክትከውን ዝበሃጋን ከምቲ ቃሉ “መኅደሪ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዚዙ ዘስርሓ ቤቱ መሸጥን መሻየጥን ቤት ንግድን ቤት ጐሓሉትን ኮይና ምስረኣያ ኣዝዩ ጐሓየ። ስቕ ድማ ኣይበለን። ንኵሎም ብጭጕራፍ ኣናገረፈ ሰጐጐም። ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ትስመ ንስኻትኹም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርክምዋ ኢሉ ገሰጾም። ከመይሲ እታ እግዚአብሔር ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፤ ብኽብርን ረድኤትን እናተገልጸ ምስ ዝፈትዎም ሕዝቡ ክራኸብን ክጓስዮምን ዝሠረታ መንፈሳዊት ቤት ክመርሕዋ ሓደራን ሥልጣንን ዝተዋህቦም መራሕታ ስርሖምን ቀንዲ ዋኒኖምን ገዲፎም ናብ ዓለማዊን ሥጋዊን ዕላማን ነገራትን ምስ ቀይርዋ ዋና ቤቱ ዝኾነ ክርስቶስ ስቕ ኣይበለን። ስለ ቤቱ ኣባጊዑን ቀናዒ እዩ እሞ ነቶም ሕድሮም ዝጠለሙን መዝነቶም ድማ ዘማሰዉ ጐሓላሉ ኵሎም ገማጠሎም። 

እሞ'ኸ ደኣ ብዝያዳ እኳ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኽቡር ደሙ ኣብ ዝሠረታ ቤቱ ከምቲ ዝግባእ ከገልግልዋ ዝተሾሙ ክነሶም ንዝላገጹን ዘሽካዕልሉን ከመይ ገይሩ ስቕ ክብሎም፧ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ግብረ ኣይሁድ ሎሚ ብካልእ መልክዕ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክፍጸም ንርእዮ ኣየሎናን ዶ፧ ሎሚ ከ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዓቲ ጐሓላሉ ትኸውን የላን ድያ፧ መን እዩ እሞ ነዚ ከም ማይ ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ ትርጓሜን መርትዖን ዝደልየሉ፧ መን ከ ኣሎ ኣሉ ዝብሎ፧ እቲ እከይ ግብሪ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ልሙዕ ሸኻን ጽሩይ ማይን ክዋፈሩን ክጓሰዩን ዝግብኦም ኣባጊዕን ዕያውትን ከመይ ከ ኣለዉ፧ ደሞም ካብ ኢድና ከምዝደልዮ መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧ እታ በትሪ ሓቂ ትቕጠን እምበር ኣይትስበርን፤ እታ ጭጕራፍ’ውን ትደንጉይ እምበር ኣይትተርፍን። 

ምእመናን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ዘሕዝን ነገራት ኣይንደሃል፤ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ’ውን ኣይንብጻሕ። ነዚ ጊዜያዊ ኵነታት እናመዝመዙ ከታልሉና ንዝህቅኑን ጐዛዝዮም ክበልዑና ንዝደልዩን ቈርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መምሰልቲ “ኦርቶዶክሳውያን” መናፍቓን’ውን ዲል ኣይንሃቦም። እግዚአብሔር ካብ ሰብ ንላዕሊ ንቤቱ ይኃሊ እዩ። ስለ ደቁን ቤቱን ድማ ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነን። እወ ኣምላኽና ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ኣብ ምውራዱን ምድይቡን፤ ኣብ ምእታዉን ምውጽኡን ረድኤት እግዚአብሔር ዘስተማቐረ ቅዱስ ዳዊት’ውን “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።” ይብል (መዝ ፻፳፥፬)። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” እዩ እሞ መጽሓፍ’ውን “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል እቲ እግዚአብሔር ዝምደቦ ጊዜ ምስኣኸለን እቲ መስፈር’ውን ምስ መልአ እግዚአብሔር ንቤቱ ከጽርያን ክሕልዋን እዩ። ንሕና ግና ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖት ኣቦታትናን ቅድስት ሥርዓቶምን ትውፊቶምን ጸኒዕና ንንበር። 

ብጸጋ ሥላሴ ኣብ ዝተቐደሰ፡ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ሰብነትና’ውን ግብሪ ጓሓላሉን ካልእ እግዚአብሔር ዝጽየፎም ኃጢኣታት ፈርዮምን ኣንቢቦምን መሻየጢ ዕዳጋኦም ገይርናዮ ከይነኸውን ነፍስና ንመርምር። ብንስሓ ንመለስ። እግዚአብሔር ደቀይ ኢሉ ክቕበለናን ጸግኡ ከብዝኃልና ድማ ብመገዲ ቅድስና ድማ ንንበር። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ዝነቕፈኩም ከይህሉ ተጠንቀቑ። እዚ ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ኣካል ግና ክርስቶስ እዩ። ሓደ እኳ ብትሕትናን ንኣምልኾ መላእኽትን ክትእዘዙ እናፈተወ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ እናተነፍሐ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። ኣብቲ ብዘሎ እቲ ሥጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዐብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። እምብኣርከ ኻብ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ ትዓይዪ ኣሎኹም፧ ከም ገይሮም ከ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዅሉ ከም ትእዛዝን ትምህርትን ሰብ ንጥፍኣት እዩ። እዚ ብትሕትና ሓሳብን ፍርሃት ኣምላኽን ብምሕጻም ሥጋን ዚግበር ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ሥጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።” (ቈሎ. ፪፥፲፮-መፈጸምታ - ግእዝ ተመልከት) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓውቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ'ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንሥጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም? ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ'ውን ግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲ'ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሓቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብርሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራ'ውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽ'ውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲ'ውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡ'ውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያዕ ፪፥፲፬-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ካህን፦ “ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንሕዝቢ'ውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብጉድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ኦ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ። ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ። ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡ ነቲ ዝዀነ ዅሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።” (ግብ ሓዋ ፲፥፩-፱) 

                ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ 
                                            ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ 
                                            ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ (መዝ ፷፰፥፰)

                                                ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ 
                                                ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ 
                                                ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ 

ገባሬ ሰናይ ካህን “ድኅርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡ'ውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ ኢየሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዅሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲ'ውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ” ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘክሩ። ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ሥጋኡ እዩ እተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንሥኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። ነቲ፡ ኢየሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ ኢየሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙኃት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። ኢየሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። (ዮሐ ፪፥፲፪-መፈጸምታ) 

                                                                                                                                          ይቕጽል...

3 comments:

  1. Kale Hiwet Yesmealna Ketsiliwo Egziabher Yihagizkum,

    ReplyDelete
  2. Egziabhier ab kulu eyokum yhagzkum. Ezi tmhrte gtsawie ena qexelkum zyada ab mefthi tsegemat biete krstiyan zetekore tshufat dma entetltfu zyada mtsebeqe neyru.

    ReplyDelete
  3. Kale Hiwot yesmalana, ajokum. Weld Tewahdo zekerbkayo hasab anewen edgefo eye. Mesu gena betkerstiana zehwekwa zelewo menafkan ketkaleulena kemti atesfikumna zelekum nexbeykum alena.

    Guday betekrstain nay keulna slezkone nehagzom, kabom teray kenxbe yeblenan. Jemiromulna alewu nehnawan gele akemena nebreket ebel

    Amlake Hywan mes kulatna yekun

    ReplyDelete