Friday, March 18, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ራብዓይ ክፋል
መጻጕዕ


ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታ ክንሳተፍ ዘፍቐደልናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ንሕሙማትን ድኑሳትን ጐይታ ብተኣምራቱ ከምዘሕወዮም ዝገልጽ ብምዃኑ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ነቲ ፴፰ ዓመት ለሚሱ ዝነበረ መጻጉዕ ከምዘድኃነ ንዝገልጽ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ፴ወ፰ ክረምተ ሐመ” (፴፰ ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ገበረ” ብዝብል መዝሙር ርእሲ ዝከፍትን ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝፈተላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ሓንካሳት፡ ብኣጋንንት ንዝተተሓዙ ወዘተ እናጠቓቐሰ ከምዘሕወዮምን ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ። 

በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘክርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፬፥፳፬ ፳፮ ማቴ ፰፥፪-፴፬ ማቴ ፲፬፥፲፬-፴፮ ማቴ ፲፥፵፮-፶፪ ማቴ ፳፥፳፱-፴፬ ማር ፫፥፩-፮ ማር ፪፥፫-፲፪ ሉቃ ፮፥፮-፲፱ ሉቃ ፲፩፥፲፬-፳፫ ሉቃ ፲፫፥፲-፲፪ ሉቃ ፲፰፥፴፭-፵፫ ዮሐ ፭፥፭-፲፰ ዮሐ ፱፥፩-፴፫ 

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ብተኣምራቱ ብዙኃት ድውያንን ድንሳትን ብምሕዋዩ ኣይሁድ ስለምንታይ ብሰንበት ከምዚ ዓይነት ግብሪ ትሰርሕ ኣሎኻ፧ ነዚ ክትገብር’ከ መን ሥልጣን ሃበካ፧ እናበሉ ይቃወምዎ ነይሮም። ንሱ ግና እግዚአ ለሰንበት አብሃ ለምሕረት እዩ እሞ ንሱ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፡ ሰንበት ድማ ብኸመይ ኣገባብ ክትኽበር ከምዝግባእ የርእዮም ነበረ። ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ እዩ እሞ ነቶም ጥፉኣት ኣባጊዑ ከናዲን ክእክብን፡ ኣብ ልዕሌኦም ሠልጢኑ ንዝነበረ ደዌን ኣጋንንትን እናርሓቐ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ብግብሪ መስከረ። 

ሰንበት ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ ሥጋዊ ዕረፍቲ ተዕርፈላ ወይውን ሥጋዊ ሓሳባትካ እትፍጸመላ ዘይኮነት ናይ እግዚአብሔር ቅድስት ዕለት ስለዝኾነት፡ ሰናይ ዘበለ ግብሪ ብምግባር ንኣምላኽ ከነሥምረላ ዝተፈለየት ዕለት እዩ። ብዘይካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ምሳታፍ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ብዙኅ ሰናይ ግብሪ እኳ እንተሎ፡ ብውሑዱን ብጥቕልሉን ግና ቃላተ ወንጌሉ ምፍጻም እዩ። (ማቴ ፳፭፥፴፪-፵፮) 

እዚአን ቃላት ድማ ጐይታ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ምስ ኵሎም መላእኽቱ ዳግማይ ኣብ ዝመጸሉን፡ ስርናዩ ኣብ ቖፎ ክርዳዱ ድማ ናብ ሓዊ ኣብ ዝድርብየሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ፡ ከይንሓፍርን እሙናት ኣባጊዑ ኮይንና ክንጸንሕን ንዑ ብሩካነ አቡየ ክንበሃልን፡ ዕረፍተ ሰንበት ምሳሌኣ ዝኾነት መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ ምእንቲ ንሕተቶም ሕቶታት እየን። 

ጠምየ፥ ጸሚዔ፥ ዐሪቐ፥ ሓሚመ፥ ተኣሲረ፥ ጋሻ ዄይነ… ዝብላ እየን። ካብዞም ንኣሽቱ ነዚ ሓገዝ ዘድልዮም ምግባር ንዕኡ ከም ምግባር ምዃኑ እዩ ጐይታ ተዛሪቡ እሞ ብሓቂ ዶ ነዚአን ጽድቅን ዕረፍት መንግሥተ ሰማያትን ከውህበና ዝኽእሉ ሰናይ ተግባራት ዶ ንፍጽም ኣሎና፧ ክርስቶስ ኣምላኽና ብቃሉ እሙን እዩ እሞ ነቲ ኣቐዲሙ ዝበለናን ዘለቡሙናን ቃላቱ ጽን ኢልና ክንፍጽሞም ተዓጢቕና ሎሚ ንበገስ። ዓለምና ብክፍኣትን ስስዐን ተደብያ ኣብ ዘላትሉ እዚ ክፉእ ዘመን፤ ምእመናን ነቒሕና ነቲ ጽድቂ ንዓድግ። እቲ ጾር ድማ ቀሊል ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። 

ጐይታና መጻጕዕ ንዝኣመሰሉ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ደዌን ሕምማን ዝተጠቕኡ ግና ብእምነትን ተስፋን ንዝጽበይዎ ሰባት ወትሩ ይበጽሖምን ይፍውሶምን እዩ። ነዚ ቃልና ምስክር ካብ ዝኾነና ሓደ ኸኣ ኣብ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብያተ ክርስቲያናትናን ዝርከቡ ማየ ጸሎትና እዮም። ምኽንያቱ እዞም ዝተቐደሱን እግዚአብሔር ብእኦም ኣቢሉ ምሕረቱ ዝፍንወሎም ማየ ጸሎታት ካብ ኦሪት ጀሚሩ እግዚአብሔር ዝሰርሓሎም እዮም እሞ ሃገርና ድማ በዞም ቅዱሳን ማየ ጸሎታት ብብዝኂ ዝተባረኸትን እያ። ይኹን ደኣ እምበር እዘን ማየ ጸሎትና ኣተሓሕዝኦምን ኣመሓድሮኦም ግና ኣይግድን እዩ እሞ ቤተ ክርስቲያንና ኣዕሚቓ ክትሓስበሉ ዝግባእ እዩ። 

ኣብዚ ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማት ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋ ክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምን ንዝወደቐ ከልዕሉ፤ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፤ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውን ካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስና እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይውን ድኅር ክንብል የብልናን። 

መሓሪ ኣምላኽ ምሕረቱ ይዓድለና፤ ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ንኵልና ይሃበና። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። እንሆ ኣነ ጳውሎስ እንተ ተገዘርኩም ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣሎኹ። ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግብኦ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም ካብ ጸጋ ወደቕኩም። ንሕናስ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። ብክርስቶስ ኢየሱስሲ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ። ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። ሒደት ማይ ብሑቚ ንብዘሎ እቲ ብሑቚ የብኲዖ እዩ። ኣነ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ኣሚነኩም ነበርኩ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና ዝዀነ ይኹን ፍርዲ ኺጸውር እዩ። ኣሕዋተየ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። ኣየ፡ እቶም ዜዕልውኹም ኰታ ክቚረጹ ይግባእ። 

ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር ነቲ ሓርነትሲ ንሥጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ። ኣነስ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ሥጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ሥጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ወራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ሕይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ኣይንተሓማመ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።” (ገላ፭፥፩-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ ኣሎ፧ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎዉ ቀሳውስት ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚአብሔር ዘይቲ እናለኸይዎ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ ሃይማኖት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድኅኖ እያ ጐይታውን ከተንሥኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ ምእንቲ ኽትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብሪ ብዙኅ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሠለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድኅን ብዝኂ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን ይፍለጥ።” (ያዕ ፭፥፲፬-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ካህን፦ “ጴጥሮስን ዮሐንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤት መቕደስ የቐመጥዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሐንስን ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሐንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ ናባና ጠምት በሎ። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ከኣ ወርቅን ብሩርን የብለይን እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንሥእ እሞ ኺድ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንሥኦ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓንካርዓንካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዩዎም፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባደን ብምግራምን መልኡ። ኣብ ጴጥሮስን ዮሐንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ ኲሉ እቲ ሕዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ። ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ሕዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም።” (ግብ ሓዋ ፫፥፩-፲፪) 

                   ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ 
                                            ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ 
                                            አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ (መዝ ፵፥፫-፬)

                                                   ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚአብሔር ይድግፎ። 
                                                   ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። 
                                                   ንነፍሰይ ኣሕውያ በልኩ። (መዝ ፵፩፥፫-፬) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት - ሳይዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን በልዎ። ንሱ ግና እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙኅ ሕዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ እንሆ ሐዊኻ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ መሊስካ ኣይትበድል በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይሰጒዎ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር ኣነውን እገብር ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ መሊሱ በሎም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ሕይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም ኢለ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ዮሐ ፭፥፩-፳፭) 

                                                                                                                      ይቕጽል...

4 comments:

  1. ቃለ ሂወት የስምዕኹም። ከምዚ ቀልጢፍኩም ቅድሚ እቲ መዓልቱ ብቀጻሊ ተውጽእዎ እንተደኣ ኮይኑ ጽቡቕ እዩ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም።

    ReplyDelete
  2. I appreciate for your great devotions. And Keep the good job. Maeadot site It is time now to announce about MeTSaguE, at this time we do have great lesson, From the miracle done up on the man we can learn for our spiritual sickness for more than 38 years.It is all done with sacrifice. Great job is done with great deeds. Amen thanks Kale hiwet yesmeAlna.

    ReplyDelete
  3. qale hywet yesm'alna. azyu zehgus srah abti gbu'e gizieu.

    Emo kulna deqi eza kn'eti orthodoxawit tewahdo haymanot zikona kulna e'ejamna neberkt emo nesfhaya do????????????????????????

    ReplyDelete
  4. thank you very much this is on time you post it .

    ReplyDelete