Friday, March 25, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ደብረ ዘይት 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሓሙሸይትን ኣብ ፍርቂ እዚ ጾም እትርከብን ሰንበትን ምስኡ ዘሎ ሰሞንን ደብረ ዘይት ተባሂላ ትፍለጥ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝግባእ ከነኽብራን ካብ በረኸታ ሱታፌ ክህልወናን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፡ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከምዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ከምዚ ይብል፦ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” (ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።) 


በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘከርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፳፬፥፩- መፈጸምታ ማር ፲፫፥፩-መፈጸምታ ሉቃ ፲፬፥፭-መፈጸምታ 

ደብረ ዘይት ብሸነኽ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። ብግእዛዊ ልሳን ትርጉም ስያሚኡ ድማ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝመልኦ ጎቦ ማለት እዩ። ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣብዚ ደብርን ኣብ እግሩን እተፈጸሙ ዓበይቲ ታሪኻት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ጐይታ’ውን ብቀጻሊ ኣብ ደብረ ዘይት ተረኺቡ ይምህር ድማ ነበረ። “መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ።” ይብል (ሉቃ ፳፩፥፴፯) ከምኡ’ውን ነገረ ምጽኣቱ ዝመሃረሉን ክዓርግ ከሎ’ውን ዕርገቱ ዝተፈጸመሉን ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ። (ግብ ሓዋ ፩፥፲፪) ጐይታ ዳግማይ ክመጽእ ከሎ’ውን ኣብኡ ምዃኑ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይጠቕሱ እዮም። 

ጐይታ ክመጽእ ከሎ ከምቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ከምዝተረኽበሉ ኵነት ዘይኮነስ፡ ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ ዝመጽእ። ጐይታ ንዝጽበይዎ ኵሎም ዓስቦም ክህብ፡ ንዘይተቐበልዎን ብቃሉ ንዘይጸንዑን ድማ ፍድኦም ክቕበሉ፤ ምድራዊ ሥርዓት ክሥዕር፤ ምድርን ሰማይን’ውን ከም ብራና ጠቒሉሉ ከሕልፎም፥ ንፈተውቱ መንግሥቱ ከውርስ፥ ንሓጥኣን ሑሩ እምኔየ ኢሉ ክወቅስ፥ ንጻድቃን ድማ ንዑ ብሩካነ አቡየ ኢሉ ክውድስ፥ ብሕቡእን ብጋህድን ዝተገብረ ኵሉ ግብሪ ሰብ ክቃላዕ እዩ። ስርናይ ካብ ክርዳድ ዝፈልየሉን ዓውዱ ዘጽርየሉን እዋን እዩ። ነዛ ናይ መወዳእታን መፈጸምታን መዓልቲ ብዓቢ ናይ ንስሓን ተዳሊኹም ጽንሑ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ብኣንክሮ ተኽብራ። ኣብዚ ዕለት’ውን ብሰፊሑ ብዛዕባ ንስሓ ይስበኽ። ሎሚ ሎሚ ይተርፍ ኣሎ እምበር ምእመናን ኣብዚኣ ዕለት ብፍላይ ናብ ቤት መምህረ ንስሖኦም ብምብጻሕ ከከም ዓቕሞም ህያባት ዝውፍይሉን ዝሕግዙሉን እዩ ነይሩ። 

ኣብዚ ዕለት ንዝንበብ ወንጌል ርግእ ኢልና ብምስትውዓልን ብምስትንታንን እንተደኣ ኣንቢብናዮ፡ ብፍላይ ምስዘለናዮ ዘመንን ኵነታት ዓለምን ኣዛሚድናዮ ከኣ ቃለ እግዚአብሔር ብግሁዶ ይዛረብ ከምዘሎ ብዘይ መስካሪ ክንርእዮን ሓቅነቱ ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና። ንኵሉ ዘርዚርና ክንገልጾ ኣብዚ ዝከኣል እኳ ኣይኮነን እምበር ነፍስ ወከፍ ቃል ነናቱ ዓሚቕ ምሥጢርን መልእኽትን ዘለዎ እዩ። ገለ ብድፉኑ ንምግላጽ ግና ነዘን ዝስዕባ መጠንቀቕታ ዝሓዘላ ምልክትታት ነስተውዕለለን። 
  • “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ንቡዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም።” 
  • “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።” 
  • “ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ።” 
  • “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።” 
  • “ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።” 
  • “ሽዑ ብዙኃት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም።” 
  • “ብዙኃት ነብያት ሓሶት ኪትንሥኡ፡ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም።” 
  • “ዓመጻ ስለ ዝበዝኄ ድማ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” 
      እንታይ ክንገብር ከምዝግባእና’ውን ባዕሉ ክነግረና ከሎ፦ 
  • “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድኅን እዩ።” ይብል። 
እዚ ወንጌል መንግሥቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣሕዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። ድኅሪ ምባሉ እቲ     ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ 
  • “ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህድሙ።” 
  • “ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።” 
  • “ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድኅሪት ኣይመለስ።” 
  • “በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን።” 
ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ 
  • “እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።” 
እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደኃነን። ምእንቲ እቶም ኅሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ድኅሪ ምባሉ 
  • “ሽዑ ገለ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ እንተ በለኩም ኣይትእመንዎ።” 
ምኽንያቱ ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነቢያትን ኪመጹ እዮም እሞ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ ኣብ በረኻ ኣሎ እንተ በሉኹም ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት ኣሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። 

ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ናይ መወዳእታ ዘመን ካብ ዝለዓሉ ሓሳውያን መምህራንን ትምህርቶምን ክንዕቀብ፡ ኣብ ጥንታዊትን ሓንሳብ ንቅዱሳን ብዝተዋህበት ሃይማኖት ጸኒዕናን ብሰናይ ግብሪ ኣጊጽናን ተዳሊና ክንጸንሕ፡ ብኵሉ ዝመጽእ መከራን ፈተናን ክሳብ መወዳእታ ክንዕገሥ፡ ኣብ እምባ መጸጊትና ዝኾነት ኣማናዊት ሓመር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነፍስና ከነማዕቍብ፡ ብጸሎት ድማ ተጊህናን ነቒሕናን ወትሩ ክንጽበዮ ከምዘሎና እዩ ዘጠንቅቐና ዘሎ። 

ጐይታ ክልተ ጊዜ ደጊሙ ንዝጠንቀቕና ነገራት ድማ ደጊምና ጽን ንበሎ። ንሱ ድማ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ኅሩያት እኳ ኸስሕቱ ናይ ሓሶት መምህራን ኣብዚ ዘመን ከም ቃንጥሻ በዚሖም ከም ሮማዲ ኣስፋፊሖም ከምዝርከቡን ዝኾነ ዓበይቲ ነገራት እኳ እንተገበሩ ክንስዕቦምን ክንኣምኖምን ፈጺምና ከምዘይግባእና እዩ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ባዕሉ ብዘይሕሶ ቃሉ እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም ይብለና ኣሎ እሞ ተጠንቂቕና ንንበር። ናብራና፡ ናብራ ብርሃናውያን ቅዱሳን ክኸውን ኣሰሮም ንስዓብ። 

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ይግበረና። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ግናኸ ኣሕዋተየ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት ኢየሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንሥእአን ኣሚንና እንተ ዄንና ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብሕይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንሥኡ እዮም። ድኅርዚ ንሕና ብሕይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ኽንለዐል ኢና ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።” (ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፫-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ። ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ ኣብ እግዚአብሔር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። ጐይታስ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጒዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ኸኣ ኣቱም ፍቁራተይ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድኃንኩም ቊጸርዎ።” (ካልኣይ ጴጥ ፫፥፯-፲፭) 

ንፍቅ ካህን፦ “ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሀል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ። ንሱ ምስ ተጸውዔ ድማ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸሶ ጀመረ። ኦ ልኡል ፌሊክስ ብኣኻ ብዙኅ ሰላም ከም ዝረኸብና ብምህዞኻ ድማ ነዚ ሕዝቢ’ዚ ብዙኅ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዅሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና። ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ። ንሕና ነዚ ሰብኣይ’ዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደልየ እሞ ሐዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና። ግነኸ ሊሰያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መጺኡ ብብዙኅ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ። ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኺሐልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዅሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ። ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ በሉ። እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙኅ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ሕዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ። ክሰግድ ኢለ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ሕዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን። ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ኪረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፊ ዘሎ ዅሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሣኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ። ድኅሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንሕዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ክቕርብን መጻእኩ። ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ሕዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ። ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ። ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሣኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ ሊስያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ ምስ ወረደ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ።” (ግብ ሓዋ ፳፬፥፩-፳፪) 

                      ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ 
                                                ወአምላክነሂ ኢያረምም 
                                                እሳት ይነድድ ቅድሜሁ (መዝ ፵፱፥፫)
            
                                                       ኣምላኽና ብጋህዲ ይመጽእ 
                                                       ስቕ ድማ ኣይብልን። 
                                                       ቅድሚኡ እሳት ይነድድ። (መዝ ፶፥፫) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም? ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ እብለኩም ኣሎኹ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ? ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። ኢየሱስ መሊሱ በሎም ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ንቡዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙኃት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙኃት ነብያት ሓሶት ኪትንሥኡ፡ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝኄ ድማ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድኅን እዩ። እዚ ወንጌል መንግሥቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣሕዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህድሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድኅሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደኃነን። ምእንቲ እቶም ኅሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ እንተ በለኩም ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነቢያትን ኪመጹ እዮም እሞ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ ኣብ በረኻ ኣሎ እንተ በሉኹም ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት ኣሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድኅሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጻሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቅጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኲሎ ዓሌታት ኣሕዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙኅ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእክቲ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ኅሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መለእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ ዚፈልጣ የልቦን።” (ማቴ ፳፬፥፩-፴፮) 

                                                                                                                                   ይቕጽል...

1 comment:

  1. guys as usual you are fantastic i really appreiciate you for printing every thing on time .mariam asmereyeti tehagezekume ezome yehewatey bereteulena ebelekum kabezi kabe canada

    ReplyDelete