Wednesday, March 2, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ቀዳማይ ክፋል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብደም ጐይታ ዝተመሥረተት፡ ኣብ ትምህርቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝጸንዐት፡ ሥርዓታን ትውፊታን ድማ ቅዱሳት መጽሓፍት መሠረት ዝገበረ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሓዋርያዊን እዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ መንፈሳዊ ሥርዓትን ትውፊትን ስለዘለዋን ዓቂባቶ ድማ ስለእትረከብን እንኳዕ ኣብ ውሽጣ ብእምነት ንዘሎ ካብቲ ጸጋኣ ንዝሳተፍ ይትረፍሲ ነቶም ካልኦት በጻሕቲ ዓለም እኳ ክንደየናይ ከምዝምስጥ ዝስሕቶ የልቦን። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እተኽብሮም ሰናብቲ፡ እትጾሞም ኣጽዋማት፡ እትጽልዮ ጸሎት፡ እትቖሞ ማኅሌት፡ እትቕድሶ ቅዳሴ፡ እተብዕሎም በዓላት ወቦ ዘተርፈ መሠረትን መንፈሳዊን ታሪኽን ትውፊትን ከምዘለዎም ከነስተውዕለሉ ይግባእና። ነዚ ምፍላጥን ምስኡ ድማ ኣጸቢቕካ ምልላይን ምዝማድን ድማ ናይዚ ወለዶ ግደ ይኸውን። 

በዚ መሠረት ድማ ዘለናዮ ዓቢይ ጾም ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞን ዝመሥረቶን ከም ምዃኑ፡ ኣብዚ ወርሓት ጾም ዝርከቡ ሰናብቲ፡ ጐይታ ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንዝፈጸሞም ተኣምራትን ንዝሃቦም ትምህርትታትን መዘከርታ ምእንቲ ክኾኑ ነናተን ስም ተዋሂብወን ይበዓላ እየን። ብመንጽር ናይቲ ተዋሂብወን ዘሎ ስማት ድማ እቲ በዓል ምስቲ ስም ብዝሰማምዕ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍት ከምኡውን ስብሓት እግዚአብሔር ብምቕራብ፡ ብምዝማር፡ ብምጽላይ፡ ብምቕዳስ ተብዕሎ። በዚ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎዋ ዝምድና ክንደየናይ ልዑልን ዓሚቕን ምዃኑ ከንርዳእ ንኽእል ኢና። 


ከመይሲ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተነቢቦም ዝሕለፉ ዘይኮኑስ ብግብሪ ጐሊሖም ዝረኣዩ እዮም። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዚ ቅዱስ ሥርዓት ተዓቂቡ እኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ግና ጌና ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣጸቢቑ ስለዘይተዛመደን ካብ ሡሩ ስለዘይተማህረን ንክርድኦ ክጽግም ይርከብ ኣሎ። ገሊኦም’ውን ነዚ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝሠረቱ ዓቢይ መንፈሳዊ ጸጋን ሃብትን “ከነመሓይሽን ምስቲ ዘመን ከነሰማማዖ” ብምባል ናይ ዘመንና “ሓሰውቲ መምህራን” ብሥጋዊ ሓሳባት ናብ ዝተቐመረን ዝተወቕረን ጫሌዳ መገዲ ክምልሱና ዝጽዕሩ ከምዘለዉ ኣይንስሕቶን ኢና። ክንልውጣ ኢልካ ህርድግ ካብ ምባል እዚ ሓድሽ ወለዶ እዚ ምስ ጥንታዊ መገዱ ኣቦታቱ ብኸመይ ይፈልጥን ይስዕብን ይዛመድን ኢሎም ክሓስቡን ክጽዕሩን ምተገብአ። ኣብ ክንዲ ቤተ ክርስቲያን ክልውጡን መሳርሒ ካልኦት ኣጽራር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ነፍሶም ብመገዲ ቅድስናን ንጽሕናን እንተዝልውጡ ክንደይ ሰናይ ምኾነ። “ደረት ኣቦታትካ ኣይተፍርስ” እናበሉ ንሰባት ተጣበቕቲ ሕጊ ኦርቶዶክስ ምዃኖም ከምስሉ እኳ ይፍትኑ እንተለዉ፤ ብግብሪ ግና ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሡሩ ክምሕውዎ ዝጽዕሩ ንዘለዉ “ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ” ክንብሎምን ንደሊ። 

ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ (ናብ ዝቐደመ ነገርና ንመለስ) እሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብሥርዓታን ትውፊታን ብልጽግቲ እያ። ስለዝኾነት ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ንባብን ዜማን ብምውህሃድ ጾመ ድጓ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፉ ኣብ ዓቢይ ጾም ንዝርከቡ ሰናብቲ ነናቶም ፍሉይ መዝሙር ሰሪዕሎም ይርከብ። ኣብቲ መዝሙር ብዘሎን ብዝፍልፍልን ምሥጢር ድማ ነፍስ ወከፍ ሰንበትን ብኡኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ሰሙን ነናቱ ስያመ ኣለዎ። 
  • በዚ መሠረት ድማ እታ ሕጂ ንኣትዋ ዘሎና ናይ ቅበላ ሰሙንን ቀዳመይቲ ሰንበትን ዘወረደ ወይውን ሙሴኒ ተባሂላ ትፍለጥ። 
  • ካልኣይቲ ሰንበት - ቅድስት 
  • ሣልሰይቲ ሰንበት - ምኵራብ 
  • ራብዓይቲ ሰንበት - መጻጉዕ 
  • ሓሙሸይቲ ሰንበት - ደብረ ዘይቲ (ፍርቂ ጾም) 
  • ሻዱሸይቲ ሰንበት - ገብር ኄር 
  • ሻብዓይቲ ሰንበት - ኒቆዲሞስ 
  • ሻሙነይቲ ሰንበት - ሆሳዕና ይበሃሉ። 
ካብ ሆሳዕና ክሳብ ትንሣኤ ዘሎ መዓልትታት ሕማማት ክብሃል ከሎ ኣብቲ ሰሙን እቲ ምእንቲ ደቂ ሰባት ጐይታ ንዝተቐበሎ ጸዋተወ መከራን ሞትን ዘዘካኽሩ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይንበቡ ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ሥርዓት’ውን ይፍጸም። ዓርቢ ስነ ስቕለቱ ዝዝከረሉ ኮይኑ ቀዳም ድማ ብፍሉይ ቀዳም ስዑር ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ጽባሕ ቀዳም ስዑር ዘሎ ሰንበት ድማ ትንሣኤ ጐይታ እንዝክረሉን ነብዕለሉን ናይዚ ጾም ድማ መኸተምታ ዝግበረሉን እዩ። 

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ጽሑፋትና ከም ፈቓድ ኣምላኽ ኣብ በብእዋኑ ትርጉም ናይዘን ሰናብትን ትምህርቶምን ክንድህስስ ኢና። ንሎሚ ድማ ነታ ቀዳመይቲ ሰንበት ማለት ዘወረደ ክንምልከት ኢና። ኵሉ ከከም ዝግብኦ ክንርድኦን በረኸት ክንረኽበሉን ድማ ዓይነ ልቦናና የብርሃልና። 

፩. ዘወረደ 

ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እቲ ቀዳማይ ኮይኑ ዘወረደ ማለት ከምቲ እቲ ቃል ዝሕብሮ ዝወረደ ማለት እዩ። ምሥጢሩ ድማ አምላክ ወልደ አምላክ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤዛ ዓለም ብቅዱስ ፍቓዱ ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ ሰማያት (ልዕልንኡ) ብትሕትና ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ምውላዱን ምስቃሉን ምማቱን ዘመልክት እዩ። (ዮሓ ፫፥፲፫) 

ኣብዚ ሰንበት እዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ነገራት ትዝክርን ትምህርን። ብዛዕብ ጾም ብዝምልከት ግና ንዓቢይ ጾም ከም መእተዊ ስለዝኾነን ከም መዳለዊ፤ መቐበሊ (ቕበላ) ተባሂሉውን ስለዝፍለጥን ከምኡ'ውን ሰፊሕ ታሪኽ ጾም ዘለዎን ብጾም ድማ ንዝተረኽበ ናይ ክርስቲያናት ዓወት ዘዘክር ብምኻኑ ብንጉሥ ስም ዝጽዋዕ “ጾመ ሕርቃል” ተባሂሉ ይፍለጥ። 

ዘወረደ ተባሂሉ ክስመ ምኽንያት ዝኾኖውን ኣብ ዋዜማ ናይዚ ዕለት ዝዝመር ማኅትው ጠቕላላ ኣብ መዋዕለ ጾም ዝዝመር መዝሙር (ጾመ ድጓ) መክሠቲኡ “ዘወረደ እምላዕሉ አይሁድ ሰቀሉ” ኢሉ ስለዝጅምር እዩ። ትርጉሙ ድማ ነቲ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ኣምላኽ ኣይሁድ ሰቐልዎ ዝብል ኮይኑ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ፡ ስቕለቱ፡ መድኃኒትነቱ መዘከርታ ዘለዎ እዩ። (ዮሐ ፩፥፱-፲፩ ፤ ፫፥፫-፳፩) 

ሙሴኒ ተባሂሉውን ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ ሰሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ “ከመዝ ይቤ ሙሴ ፀዓቱ እምትእይንት” ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብ ከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ ማለት እዩ። ከምኡውን ኣብዚ ናይ ሰኑይ ኣቡን “ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት” እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ስለዝተናኽፍ እዚ ሰሙን እዚ ሙሴኒ ተባሂሉ’ው ይፍለጥ። ብተወሳኺውን ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ነቢያት ኣርብዓ መዓልቲ ጾይሞም ድኅሪ ምሕላፎም ሕግ ሙሴን ትንቢት ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ከምቶም ዝቐደሙ ነቢያት ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ምጻሙ ዘዘክር እዩ። (ዘፀ ፳፬፥፲፰ ፤ ቀዳማይ ነገ ፲፱፥፰ ፤ ማቴ ፬፥፩-፬) 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ኃጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ሥጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። ስለዚ ኢየሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንሕዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። እግዚአብሔር ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (ዕብ ፲፫፥፯-፲፯) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ንሱ ግና ኣብዚኁ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጒሀዩን ብኸዩን። ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርዱ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድኅንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድካ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ሕይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕና'ውን እንተ ኣሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምብኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ኃጢኣት ይዀኖ እዩ። (ያዕ ፬፥፮-፲፯) 

ንፍቅ ካህን፦ “ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉሥ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ኣብኣ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉሥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሥርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ። እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ ኢየሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባይ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ። ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነ'ውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙኅ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉሥ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ደጊም ንሱ ብሕይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባይ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ። ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።” (ግብ ሓዋ ፳፭፥፲፫-፳፯) 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦      ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት 
                                           ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ 
                                          አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር (መዝ ፪፥፲፩) 

                                                      ትርጉም (ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ 
                                                                          ብረዓድ ድማ ተሓጐሱ 
                                                                  ጐይታ ምእንቲ ከይቍጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ'ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድኅን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። ድሕርዚ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሐንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙኅ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሐንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሐንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንሥኤ።” (ዮሐ ፫፥፲-፳፭) 

                                                                                                                                 ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment