Wednesday, March 30, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ገብርኄር 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻዱሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ገብርሔር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ከምቲ ቃሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዝዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዝዝመር መዝሙር’ውን “መን ውእቱ ገብርኄር?” (መን እዩ እቲ እሙን ኣገልጋሊ?) እናበለ ዝቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታ ንኵሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ፳፭፥፲፬-፴ ዘሎ ታሪኽ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ፲፱፥፲፪-፳፯ ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላ ይደግመልና። 

ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦ መኽሊት ወንጌል ድማ ንኵሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቃሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶም ዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጸበዮም ዘመልክት እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ኵሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ኮይኑ ተዳልዩን ግብኡ ፈጺሙ ክጸንሕ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ መጻእያት ዝተባህለ ይበሃል ወትሩ ግና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጐይታ ዳግም ክመጽእ እዩ፤ ንኵልና ክጸባጸበና’ውን እዩ። ንኵልና ድማ ከከም ግብርና ክፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ። 
ጐይታ በዚ ትምህርቱ ንርእሱ ከም ሓደ ብዓል ጸጋ መሲሉ እቲ ብዓል ጸጋ ንካልእ ርሑቕ ዓዲ ክብገስ ኣብ ዝሓሰበሉ ነቶም ኣገልግልቱ ጸዊዑ ክሳብ ዝምለስ ምእንቲ ክዓይዩሉ መኽሊት ከምዝሃቦምን ሕድሪ ከምዝገደፈሎምን ይነግር። በዚ መሠረት ነቲ ሓደ ሓሙሽተ ነቲ ካልእ ድማ ክልተ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሃቦም። ድኅሪ ነዊሕ ዘመን ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ምስተመልሰ ነቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ክጸባጸብ ጀመረ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ወሪዱን ደይቡን ደኺሙ ነተን ሓሙሽተ መኽሊቱ ሓሙሽተ ረቢሑለን ነቲ ጐይታ ፲ መኽሊት ኣቕረበ። እቲ ብዓል ክልተ’ውን ከምኡ ክልተ ረቢሑ ኣርባዕተ ኣቕረበ። እቲ ብዓል ሓደ ግና ኣብ ክንዲ ወሪዱን ደይቡን ምርባሕ መኽሊቱ ዝገብር ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ክፉእ ሓሳባትን ኣትዩ ነበረ እሞ ጐይትኡ ክጸባጸቦ ከሎ ዘይተባህሎ ጭካነ ጐይትኡ ገሊጹ ነታ ዝተዋህበቶ ከይረበሐ ሓቢኡ ከምዘቐመጣ ገለጸ። 

እቲ ብዓል ጸጋ’ውን ነቶም መኽሊቶም ረቢሖም ዝጸንሕዎ “ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡” እናበለ ብምውዳስ “ናብ ሓጐስ ጐይትኦም” ክኣትዉ ፈቐደሎም። ነቲ መኽሊቱ ዝቐበረ ብዓል ሓደ ግና “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ” ተባሂሉን ነታ ሓንቲ መኽሊቱ ድማ ከም ዘግድፍዎ ኮነ። ስለቲ እቲ ዘይጠቅም ግብሩ ድማ ኣብቲ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ተደርበየ። 

ትርጉም’ዚ ምሳሌ ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማት ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማ ከከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዝግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲ ይምልከት። ብካልእ ወገን ድማ ከከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመገዲ ቅድስናን ክመርሑን ኣብነታውያን ክኾኑን ኣብ ፵ን ፹ን መዓልቲ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ኵሎም ምእመናን ይምልከት። 

እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተጊሆምን ነቒሖምን እሙናት ድማ ኮይኖም ንምእመናን ኣባጊዑ ከውፍሩን ክሕልዉን ከብዝኁን፤ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑ፤ ወዘተ እዮም ነቲ መኽሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተቐቢሎም። ስለዚ ድማ ከምቲ ዝግባእ ዝዓየዩሉን ወሪዶም ደይቦም ኮታ ደኺሞም ግቡኦም ፈጺሞም ኣብቲ ጊዜ ጸብጻብ ኣበርኺቶም ንጐይትኦም ዘረክቡ “አግብርት ኄራን ወፍቁራን” ተባሂሎም ናብቲ ሓጐስ ጐይትኦም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ተባሂሎም ዘለኣለማዊ መንግሥቱ ክኣቱ ዝፍቐደሎምን እዮም። እቶም ንስሙ ጥራይ መኽሊት ተቐቢሎም ምእመናን ዘይጓስዩሉን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ከድህቡን ዝነብሩ ድማ ሃካያት ግና ብቝዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእል ናብቲ “ጸልማት” ክድርበዩ እዮም። 

ዋና መኽሊት ክርስቶስ ኣምላኽና እዩ። ዋና መኽሊት ድማ ከም ፍቓዱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ጸጋ ይህብ እዩ። እቶም ቀዳሞት ክልተ ድማ ንዝተዋህቦም ሕድሪ እሙናት ኮይኖም ክፍጽምዎን ጽዒሮም ከርብሕዎን ተረኺቦም። ስለዚ ድማ ኣብ ጊዜኡ ዕጽፊ ዓስቢ ረኸቡሉ። ኣገልገልቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ንእግዚአብሔር ብትግሃት ከገልግሉ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ይርከቡ። እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ክጥምት፤ ናቱ ገዲፉ ኣብ ዘይናቱ ክኣቱ ዘይኮነስ ንዝተዋህቦ መኽሊት ኣለልዩ ኣብኣ ተጊሁ ክርከብ ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያንና ዓውዲ ኣገልግሎታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኵሎም ደቃ ከከም መኽሊቶም ተጊሆም ኣርቢሖም ዝርከቡ እንተደኣ ኮይኖም ዕብየታን ህንጸታን ክንርእይ ጊዜ ዝወስድ ኣይኮነን። ግና መኽሊትና ንፈልጦ ዶ? ነርብሖ ዶ ኣሎና? ወይስ ቀቢርናዮ ኢና? መን እዩ ገብርሔር (እሙን ባርያ ክርስቶስ)? ኵልና ኣካል ክርስቶስ ካብ ኮንናን ኣብዛ መንፈሳዊት ቤት ክንህነጽውን እንተደኣ ኮይንና ከክእለትና ነበርክተላ። 

እዚ መኽሊት ንስዩማት ኣገልግልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንኵሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምእመና’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበርክትዎ ዘለዉን ከበርክትዎ ዝግባእን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም መኽሊቶም ከርብሑን ብሰናይ ግብሪ ንካልኦት ኣብነት ክኾኑ ይግብኦም። ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ዝምርኮስ ምኽንያት ዘመልኦ ሕይወት ኣሊና ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስለ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተንሢዕና ንስራሕ። ኣይመልከተናን እዩ ኣይንበል። ስለ ቤት እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እሙናት ኣገልገልቲ ንኹን። 

ካብዚ ምስላ ካብ እንመሃሮ ሓደ ድማ ኵሉ ከከም ጸጋኡ ከገልግል እዩ። ሓደ ሰብ ብምሉእ ኃይሉን ጕልበቱን ክሰርሕን ከፍርን እንተደኣ ኮይንና ኵሎም ኣካላቱ ነናቶም ስራሕ ከምቲ ዝግብኦም ክዓዩ ይግባእ። ዓይኒ ናይ ዓይኒ፤ ኢድ ናይ ኢድ፤ እግሪ ድማ ናይ እግሪ ወዘተ፤ እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ዝኣቱ እንተደኣ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ክስራሕ? እቲ ሓደ ድማ ስራሕን ኣበርክቶን እቲ ካልእ ዘቖናጽብን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ጥዕና ክርከብ? ንኵሉ ዝኣልይ ርእሲ (እእምሮ -ልቦና) ልዕሊ ኵሉ ንኵሎም ኣካላት ከወሃህድን ከስምርን ይግብኦ። እቲ ርእሲ እንተዘይጠዓየኸ? ኣደ ኵልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ግና ሎሚ ከምኡ እዩ ኮይንና ዘላ። ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ደቃ ግና ተስፋ ኣይንቑረጽ፤ ሰብ ማዕርግ ዝኾንና ከከም ማዕርግና፤ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ከምቲ ዝተጻሕፈልና ተጊህና ጥራይ መኽሊትና ነርብሕ። ኣብ መዓልቱ ኵሉ ክገሃድ እዩ። ሰባት ብዝደለይዎ መገዲ ነቲ ሓቂ ክኽውልዎ ይፈትኑን፡ ስለ ሓሶት ድማ ይጽዓቱን ምኽንያት ይፍጠሩን እታ ፍርዲ ግና ኣብ ኢድ እቲ ርቱዕ ዝፈርድ ኣምላኽ እያ። ንሕና ግቡእና ንዕየይ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ድኹም ግብርና ዘይኮነስ ከምቲ ምሕረቱ ክርእየና ኣብዚኅና ንለምኖ። 

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ኣታ ወደየ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም። ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። እግዚአብሔር ብዅሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ። ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ኻብ ምዉታት’ውን ዝተንሥኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቐጺረ ኽሳዕ መቚሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ምድኃን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ ንዅሉ እዕገስ ኣሎኹ። እሙን ቃል እዩ ምስኡ እንተ ሞትናስ ምስኡ ኸኣ ብሕይወት ክንነብር ኢና። እንተ ተዐገስና ምስኡ ኸኣ ክንነግሥ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ። ንሕና እንተ ጠለምናዮ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር። ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር እናመስከርካ እዚ ኣዘክሮም። ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር። ነቲ ፍረ ዜብሉ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ።” (ካልኣይ ጢሞ. ፪፥፩-፲፮) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ ኣብቲ ደኃር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ እምዕዶም ኣሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይኀልየልኩም እዩ እሞ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለም ዓለም ንእኡ ኽብርን ሥልጣንን ይኹን። ኣሜን። ብስልዋኖስ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓውና ገይረ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።” (ቀዳማይ ጴጥ ፭፥፩-፲፪) 

ንፍቅ ካህን፦ “ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግሥቲ ኸተቕንዕ ኢኻ? ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ብሥልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም በሎም፡ እዚ ምስ በለ ድማ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበሎ።” (ግብ ሓዋ ፩፥፮-፱) 

       ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦        ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ 
                                       ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ 
                                       ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ (መዝ ፴፱፥፰) 

                                                ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ 
                                                ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፡ 
                                                ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ (መዝ ፵፥፰) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድኅሪ ብዙኅ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ ሕራይ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። ጐይታኡ ኸኣ ሕራይ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ ጐይታይ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።” (ማቴ ፳፭፥፲፬-፴፩) 

                                                                                                                            ይቕጽል...

1 comment: