Thursday, April 14, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሻሙናይ ክፋል
ሆሣዕና

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ዝተመስገነላ ዑደተ ሆሳዕናኡ ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ይርከብ። (ማቴ ፳፩፥፩-፲፯ ማር ፲፩፥፩-፲ ሉቃ ፲፱፥፳፱-፴፰ ዮሓ ፲፪፥፲፪-፲፭) እዞም ንባባት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ትንቢት ብዛዕባ’ዛ ዕለት ዝተነግረ’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ። (ዘካ ፱፥፱ ካልኣይ ነገ ፱፥፲፫ መዝ ፻፲፯፥፳፭-፳፮ ኢሳ ፶፮፥፯ ኤር ፯፥፲፪ መዝ ፰፥፪) ኣብዚ ዕለት ዝግበር ጸሎትን ቅዳሴን ካብቲ ካልእ ፍሉይ ኣቀራርባን ንውሓት ዘለዎን እዩ። ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወ ንምርኣይ ድማ ብዝምስጥን ዝረአን ሥርዓት እዩ እቲ ቅዳሴ ዝጅምር። 

ኣብዚ ዕለት ሕጻናትን ኣዕሩግን ዝዘምርዎ መዝሙር ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ዝብል ነበረ። እዚ መዝሙር ዓሚቕ ምሥጢር ዝሓዘለ እዩ። ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይውን ሕጂ ኣድኅን ከም ማለት እዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ፡ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኮይኑን ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራት ገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ሥጋዌኡን ሰብ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ መንክር ዕለት ተነብዩላ ነይሩ። “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) (መዝ ፻፲፯(፰)፥፳፭) ክብል ነዛ ቃል ገሊጽዋ ነበረ። ብህጻናት’ውን ከምዝምስገን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነበረ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ብዙኅ ትንቢት ተነብዩላ ነበረ። ኣርያም ማለት ከኣ መኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔር ሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ሕዝቢ እናመስገኑ ጸሎት ዝሓዘለ መዝሙር ናብ ጐይታ የቕርቡ ነበሩ። ናይ ሥጋን ነፍስን ልማኖ ዝሓዘለ ድማ እዩ። ንጊዜኡ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ናጻ ከውጽኦም ልማናኦም ምቕራቦም ኮይኑ ፍጻሜኡ ግና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ክገብሮም ንዘመናት ኣቦታቶም ንዝለመንዎ ልማኖ ሰሚዑ ኣብ መዓልቱ ነዚ ክፍጽም ዝመጸ ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ሠለስተ ዓመት ተዘዋዊሩ ኣብ እስራኤል ድኅሪ ምስትምሃሩን ሕገ ወንጌል ምሥርዑን ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ጥቓ ደብረዘይት ናብ ዝተደኰነት ቤት ፋጌ ንሓዋርያቱ ልኢኾዎም። ከምቲ ዝበሎም ድማ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ከምዝጸንሓቶምን ክፈትሕዋ ንዝረኣይዎምን ንዝሓተትዎምን ድማ ጐይታ ከምዝደልያ ከምዝነገርዎምን ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ትንቢት ክፍጸም ድማ እቲ ለዋህ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉኣን ተጻዒኑ ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወ። ክኣትው ከሎ ድማ ሓዋርያት ክዳውንቶም ጠይቂ ከምዝገበሩን ንሱ ድማ ከምዝተወጠሐን እቶም ሕዝቢ ድማ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ እናንጸፉ ካልኦት ድማ ኣእዋም ስየ እናሰልዑ ኣብ መገዲ ይንስንሱሉ ነበሩ። ኵሎም ድማ ብዓቢይ ክብሪ ብቕድሚትን ብድኅሪትን ተሰሊፎምን ዓው ኢሎም እናመስገኑ ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ይብሉ ነበሩ። ናብታ ቅድስቲ ከተማን ቤት ጸሎት እተሰመት ቤተ መቕደሱን ድማ ብምስጋና ኣተወ። እዚ በቲ ሕዝቢ ዝተወፈየ ድንቂ ምስጋናን ክብርን ግና ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ባህ ኣየበሎምን። ተበሳጪዮም ድማ ክቃወምዎ ተራእዮም። ጐይታ ግና እዚ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢተ መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮም። “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?” ድማ በሎም። ንሳቶም ግና ነቲ ዝፈልጥዎ ንባብ ኣይስተውዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እንተዝፈልጥዎሲ ንጐይታ ክብሪ ኣይመሰቐልዎን ኢሉ ነይሩ። ጐይታ’ውን ሰባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓሎም ከምዝስሕቱን ዝወቐሰሉን ጊዜ’ውን ኣሎ። ኣይሁድ ጸሓፍት ከምኡ ገበሩ፤ ንሕና ከ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ነስተውዕለሎም ዶ? ሎሚ’ውን ጽሑፍን ቃልን እግዚአብሔር እንታይ ይብል ከምዘሎ ብዘይ ምስትውዓልና ንጥፍእ ዘሎና ክንደይ እሞ ክንበሃል? እቶም መጻሕፍቲ ንምርምር ኢና ዝብሉን ንርእሶም ፈላጣት ገይሮም ዝሰመይዋ ጸሓፍት ፈሪሳውያን፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩን ልቢ ዘይገበሩን ሕጻናት ንኣምላኾም ከመስግኑ ከለዉ ንሳቶም ግና ነቢያት ዝተነበይሉ ሱባኤ ዝቖጸሩሉን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከምቲ እተጻሕፈሉ እናኸደ ኣዕይንቶም ስለዝዓወረ ግና ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ክምስግን ከሎ’ውን ኣዕይንቶም ደም መልአን ኣስናኖም’ውን ሓርቀሙ። ሎሚ’ውን ነስተውዕል። ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ስለዝፈለጥና ጥራይ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኮይንና ማለት ኣይኮነን። ነቲ እንፈልጦ ክንነብሮ ይግባእና። ነቲ ምስጋና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ምስጋና ይግብኦ እዩ እሞ ነመስግኖ። ብዘሎና ፍልጠት ወይውን ካልእ ነገር ኣይንመካሕ። ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ እዩ ዝብል ጽሑፍ። ትምክሕቲ ሥጋ ዑረተ ልቦና እዩ ዘኽትል። እግዚአብሔር ግና ነቶም ትሑታን ይፈቱ፤ ልዕል ድማ የብሎም። ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ድማ ከስተውዕሉ ምእንቲ ድማ ዓይነ ልቦናኦም የብርሃሎም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንፈልጥ ንርእይ ኢና እናበሉ እዮም ብዙኃን ኣፎም ተለኲቱ ምስጋና ንእግዚአብሔር ምቕራብ ተሓሪሞም ዘለዉ። ኣይንተዓሾ ክንፍጠር ከሎና’ውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከሥመረና ዝኽእል ንእግዚአብሔር ምስጋና ምቕራብ እዩ። እግዚአብሔር ንምስጋና ዝተፈጥረ ሰብ እንተዘየመስገኖ ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽና ኣመስጊንና ኽብርን ጸጋ ንረክብ ንሕና ኢና እምበር ኣብ ኽብሪ ጐይታ ንውስኾ ነገር የልቦን። ንሱ ብባህርዩ ክቡርን ምስጉንን እዩ። ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገረ ትንቢት ኣብ ቅድሜና ይፍጸም ኣሎ፤ ሰሚዕናን ርኢናን ነስተውዕል እሞ መገድና ነስተካኽል። ካብ ጸጋም ናብ የማን ተመሊስና ንእግዚአብሔር ዘመስግን ስራሕ ንስራሕ። ከይተፈለጠና’ውን ኣብ መገዲ ስሕተት ዘሎናን ቤተ ክርስቲያንና ነጽርፍ ዘሎና ርእስና ንመርምር። 

ጐይታናን ኣምላኽናን ሰረቕቲ ንዝሰረቕዎምን ዝኣሰርዎምን ኣእዱግ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ኣዘዞም። ብኣጋንንትን ክፉእ ግብሮምን ዝተኣስሩ ደቂ ሰባት ኵሎም ክፍትሑ ጐይታ ንሓዋርያትን ድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ካህናትን ሥልጣን ሂቡ ኣዚዝዎም እዩ። ንሳቶም ዝፈትሕዎ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ካብ ጐይታ ተቐቢሎም እዮም። እሞ ኸ ደኣ ሎሚ “ሑሩ መሓሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝግባእ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ ዶ? ሎሚ ኸ ብነፍሲ ዝተኣስሩ እሞ ክፍትሑ ዝግብኦም ደቂ ኣዳም ነዛ ምድሪ ይመልእዋ የለዉን ድዮም? ሎሚ ጐይታ ደቁ ዳግም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ይደሊ ኣሎ እሞ ልኡኻነ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ዕዮ ወንጌል ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ሎሚ ኸ ደቂ ኣዳም ኣበይ ኣሎና? “ኣቤል” ኃውና ኸ? 

ኣብ ዝባነ ኪሩብ ኮይኑ ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቲ ንዘለዓለም እናተመስገነ ዝነብር ጐይታ ብትሕትና ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ ፍቓዱ ኮነ። ሎሚ’ውን እቶም ካብ ማእሰርቶም ዝፍትሑ ንሱ ይደልዮምን ብጸጋ ድማ ምስኦም ይኸውንን ኣይፍለዮምን ከኣ እዩ። ፈጣሪ ዓለማት ዝተወጠሓላ እታ ኣድጊ ክንደይ ዕድለኛ እያ። ቅዱስ ዳዊት እግዚአብሔር ኣምላኹ ዝኸውን ሕዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል እሞ ንሕና’ውን ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ሃይማኖትናን ብሰናይ ግብርን ደቂ ሥላሴ ምዃንና ነመስክር። ብሓቂ መኅደር ኣምላኽ ንኹን። ነቲ ብጥምቀት ዝተቐደሰ ሰብነትና እግዚአብሔር ብዝጽየፎ ነገራት ኣይነራኽሶ። 

ጐይታ ሓቀኛ ሰላም ንደቂ ሰባት ክዕድል ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ እሞ ብምሳሌ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ። እቶም ሕዝቢ’ውን መድኃኒትነቱ እናመስከሩ ወዲ ዳዊት ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ንሱ ንኣዳምን ደቁን ክብጆ ብሥጋ ከምቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ካብ ወገን ዳዊት ምዃኑ ተመስከረ። ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ’ውን ነቢያት ንዝተነበይሉ ጐይታ፡ ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ኣይሁድ ኣመሳኺሩን ኣርጊጹን ከረድእ እንድዩ ኣብቲ ቅዱስ ወንጌል “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ክብል መጽሓፉ ዝጀመረን ወለዶ ዝጸብጸበን። እቶም ዕዉራት ይኾኑ ካልኦት “ወልደ ዳዊት” ኢሎም ክጽውዕዎን ክምኅጸንዎን ከለዉ ድማ ነዚ ምሥጢር ዘመሳኽር እዩ። 

ዕለተ ሆሳዕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብን ድምቕን ብዝበለ ኣገባብ እያ ትኽበር። ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርትን ምሥጢርን ዘለዋ ዕለት ድማ እያ። ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመላ፥ ጐይታ ዝተመስገነላ፥ ቤቱ ድማ ካብ ጓሓላሉን ሰረቕትን ድማ ዘጽረየላ ዕለት እያ። ስለዚ ናብ በብሰበኻናን ቀረባናን ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ካብ ለይቲ ጀሚርና እንታይ ዓይነት “ዝንበብ” ዘይኮነስ “ዝረአ” ሕያው ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላና ነስተውዕል። ኣቦታትና እንታይ ዓይነት ጸጋን ሃብትን ከምዝገደፉልና ንርኣይ። እቲ ቃለ እግዚአብሔር ብኸመይ መገዲ ከምዝገልጽዎን ጐሊሑ ከምዝረአ ከምዝገብርዎን ክንፈልጥ ጽን ንበል። እዚ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ። ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት ክልውጡ ዘዕሽዉና ዘለዉ ልኡኻት መን ምዃኖም ንንቅሓሎም። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ኣዕይንትን ኣእዛንን ልቦናና ከፊቱ ነዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ከነስተውዕልን፤ ንንሕና’ውን ከምቲ ዝግባእ ንኣምላኽና እናመስገንና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም መንፈሳዊ ሥርዓት ምስቲ መዝሙር ኣብታ “ሥርዓት ዑደተ ሆሣዕና” እትብል ካልኣይቲ ኣርእስቲ ብዝርዝር ቐሪቡ ኣሎ እሞ ኣጸቢቕና ነጽንዓዮ። 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝነበብ ድማ 

መልእኽቲ ጳውሎስ፦ “ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ በቲ ብሉስን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ? በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ። ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን። ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኲሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ። እምብኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረ። ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱስ ብዙኅ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይኣተወን። ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ። ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።” (ዕብ ፱፥፲፩-መፈጸምታ) 

መልእኽቲ ሓዋርያት፦ “ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ ብሥጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ እቲ ብሥጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ሥጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣሕዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ንሕያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። ከምቲ ናይ ሰብ ብሥጋ ዀይኖም ኪፍረዱ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብሕይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ። ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝኂ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ፍቁራተይ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። (ቀዳማይ ጴጥ ፬፥፩-፲፪) 

ግብሪ ሓዋርያት፦ “ድሕሪ ሠለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ ኣብኣ ሠለስተ መዓልቲ ጸናሕና። ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ። ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሠራዊት ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። ኰነ ድማ፡ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ በሎም ኣቱም ኣሕዋተይ ኣነ ምስ ሕዝብና ወይስ ምስ ሥርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ ኪፈትሑኒ ደለዩ። ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና ንሕዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ ጨኒቑኒ ናብ ቄሳር ይግባይ በልኩ። እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። ንሳቶም ከኣ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። ብዛዕባ እዛ ወራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ ንፈልጥ ኢና እሞ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና በልዎ።” (ግብ ሓዋ ፳፰፥፲፩-፳፪) 

                 ምስባክ፦ እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ 
                             በእንተ ጸላኢ 
                             ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ 
                                   ካብ ኣፈ ቈልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ 
                                   ምእንቲ ጸላእትኻ 
                                   ጸላእትን ሕነ ፈዳይን ከተጥፍኦም 

ወንጌል፦ “ንሱ ግና እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ? ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙኅ ሕዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ድኅር ኢሉ ስለ ዝነበረ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ መሊስካ ኣይትበድል በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይሰጒዎ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር ኣነውን እገብር ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ሕይወት ተሳገረ እምበር ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ሕያዋን ኪዀኑ እዮም ኢለ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ ሕይወት ሀቦ። ወዲ ሰብ እዩ እሞ ኪፈርድ ሥልጣን ሀቦ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ሕይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሣኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ በዚ ኣይትደነቑ። ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።(ዮሓ ፭፥፲፩-፴፩) 

                                                                                                                    ተፈጸመ

No comments:

Post a Comment