Saturday, April 9, 2011

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ሻብዓይ ክፋል

ኒቆዲሞስ 
ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻብዓይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ኒቆዲሞስ ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ክብርቲ ዕለት ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ ለይቲ ለይቲ እናኸደ ብዛዕባ ምሥጢር ጥምቀትን ዳግም ምውላድን ካብ ጐይታ ከም ዝተማህረ እናጠቐሰ ነቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል (ምዕራፍ ፫) ንዝተጻሕፈ ታሪኽ ስለዝዝመረሉ እዩ። ርእሲ ናይቲ መዝሙር’ውን “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከ ወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለ ይዝምር። 
ኒቆዲሞስ ምሁረ ሕገ መምህር ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ነበረ። ፈሪሳውያን ድማ ካብቶም ቀንዲ ማኅበረ ኣይሁድ ኮይኖም ሕግን ሥርዓትን ኦሪት ልዕሊ ካልኦት ሓለውቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ዝነበሩ እዮም። ስለ ሕገ ኦሪት ድማ ኣዝዮም ቀናዕትን ምኩሓትን እንተነበሩ’ውን ነቲ ዝብልዎን ዝምህርዎን ዘይገብርዎ ግቡዛት ድማ እዮም ነይሮም። ጐይታ ድማ ስለዚ ግብሮም ድማ ወቒስዎም እዩ። (ማቴ ፳፫፥፩-፴፮) ጐይታ’ውን ነቲ ምስሉይ ግብሮም ይቀልዖን ብዙኅ ጊዜ’ውን ይወቕሶም ስለዝነበረን ብዙኃን’ውን ትምህርቲ ጐይታ እናሰምዑ ክስዕብዎን ተኣምራቱ እናረኣዩ ድማ ክሰሓቡን ምስረኣዩ ብቅንእን ካልእን ምኽንያት ንጐይታ ይጻብዕዎ ነበሩ። ካብ ቅንኢ ሓሊፎም’ውን ምኽንያት እናፈጠሩ ከእስርዎን ክቐትልዎን ይደልዩን ይመኽሩን ይፍትኑን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ክፋእ ናቶም ኣብኡ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነሲ ብኡኡ ንዝኣምኑን ንሱ እቲ ነቢያት ዝተነበየሉ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ንዝምስክሩን ካብ ምኵራቦም ክፈልይዎም መምርሒ ክሳብ ምውጻእ በጺሖም እዮም። (ዮሓ ፱፥፳፪ ፲፪፥፵፪) 

ኣብቲ ኣይሁድ ንጐይታ ብብዙኅ ዝተፈላለየ ርድኢትን ጥርጣረን ይርእይዎን ተንኰላት ይመኽሩን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ድማ እዩ ኒቆዲሞስ ዝነበረ። ኒቆዲሞስ ብተኣምራትን ትምህርትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተተመሰጠ’ውን ኣይሁድ ከይቃወምዎ ክብል ግና ብሕቡእ ለይቲ ለይቲ ንጸልማት ከውሊ ገይሩ ናብ ጐይታ እናመጸ ይመሃር ነበረ። (ዮሓ ፫፥፩-፳፩) ጐይታ ድማ ነቲ መምህረ ኣይሁድ ሰብ መንግሥተ ኣምላኽ ክወርስ እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ኵሉ ዳግማይ ካብ ማይን መንፈስን ክውለድ ከምዘድልዮ እናነገረ ምሥጢረ ጥምቀት ይምህሮ ነበረ። ኒቆዲሞስ ነዚ ዓቢ ኣፍ ደገ ኵለን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ምሥጢረ ጥምቀት ካብ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ዝኾነ ጐይታ ምምሃሩ እግዚአብሔር ዝመረጾን ዝዓደሎን ኅሩይ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ኒቆዲሞስ ድማ ንትምህርቲ ጐይታ እናስተንከረ፤ ንዘይተረድኦ ድማ ይሓትት ነበረ። ጐይታ ድማ “መምህረ እስራኤል ኢኻ” እናበለ እናወደሰ በቲ ሓደ “ነዚ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እናበለ ዘይምፍላጡ እናወቐሱ በቲ ካልእ ንኵሉ ክፈልጦ ዝግባእ ምሂርዎ እዩ፤ ብዛዕባ ውልድነት ዘውህብ ጥምቀት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ካብ ሰማያት ምውራዱ፡ እምነት፡ ግብሪ፡ ፍርዲ ወዘተ ከምኡ’ውን ስለ ድኅነት ዓለም ዝኸውን ስቕለቱን ምሳሌኡን ገሊጹሉ እዩ። ንዝተማህሮ ምሥጢርን ንዝረኣዮ ፍቕሪን ድማ ኣብ ልቡ የጽንሖን ምንባሩ ድኂሩ ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዮሓ ፯፥፶ ፤ ዮሓ ፲፱፥፴፰)። ኵሉ ፈሪሁ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ብቀትሩ ካብ መልዕልተ መስቀል ንጐይታ ኣብ ምውራድን ኣብ ምግናዝን ድማ እሙንን ፍቑርን ኮይኑ ተረኽበ። ከምቲ ጐይታ “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” ኢሉ ዝመሃሮ ድማ ብርሃን መረጸ። ናብ ብርሃን ድማ መጸ። ነቲ ብርሃን ድማ ረኸቦ። 

ሎሚ’ውን ዘለዎም ዓለማዊ መዝነትን ሥጋዊ ክብርን ከምኡ’ውን ሃብቲ ዓለምን ልዑል ምህሮን ፍልጠትን ካብ ዘለዉዎ ጸልማት ወጺኦም ናብ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ከይመጹን ኣብ መንገዲ ሓቂ ከይመላለሱን ዕንቅፋት ዝኾኖም ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ኒቆዲሞስ ነዚኦም ዝኣመሰሉ ልዕልንኦም መዐንቀፊ ዝኾኖም ሰባት ዓቢይ ኣብነት እዩ። 

ገለ ሰባት ብዝተማሃርዎን ብዘለዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ንዝምክሑ’ውን መምህር ኮይንዎም እዩ። ኒቆዲሞስ ከምቶም መዛንኡ ብሥጋ ከቢሩ ክነብር እናኸኣለ ናብ ምንጪ ፍልጠትን መገዲ ሓቅን ዝኾነ ክርስቶስ መጺኡ ብትሕትና ይመሃር ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንዓለም ከግህዶ ብዛዕባ ካብ ዝመደቦ ምሥጢር ነቲ ሓደ መሊኡ ከሢትሉ እዩ። ገና ካብ ኣምላኽ ክንመሃሮን ከነስተብህሎን ዝግባእና ምሥጢራት ስለዘሎ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዓውዲ መዝገብ ምሥጢራቱ እያ እሞ ኵልሳዕ ብትሕትና ንመላለስ፤ ኣምላከ ቅዱሳን ዘይንፈልጦ ምሥጢሩ ክገልጸልና እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ዘይፈልጦን ዝጐድሎን ከኣ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ኣሰረ ፍኖት ኒቆዲሞስ ክንስዕብ መልእኽቲ እዛ ሰንበት እያ። 

ኒቆዲሞስ ተጊሁ ለይቲ ለይቲ ነቲ ቃል እግዚአብሔር ብምስምዑን ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስለዘሕድረን ኣብቶም ምኩሓትን ልዑላትን ኣብ ዝጋብኡሉ መጋብእያ ነቲ ሓቂ ክምስክር በቕዐ። ክፉእ ምኽሮም ድማ በቲ ናይ ሓቂ ትምህርቱ ገይሩ ቀልዖን፤ ነቶም ምኩሓት ድማ ኣብ ጉባኤያቶም ኣሕፈሮም። ብሓቂ ስለ ሓቂ ኣብ ኵሉ መድረኽን ዓውድን እሙን ምዃን ዓቢይ ጸጋ እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ስለዚ ጕዳይ መምህር ሓቂ እዩ። ነታ ናይ ልቡ እምነት’ውን ኣብታ ሓቀኛ ሰዓት ኣግሂድዋ እዩ። 

ኒቆዲሞስ ካብ ኣይሁድ ግብዝና ርሒቑ ብዘርኣዮ ኣትኅቶ ርእስ (ትሕትና)፡ ጐደሎኻ ምእማን፡ ምሥጢራት ንምቕባል ዝተዳለወ ኣልዕሎ ልቦና ምውናን፡ ስምዐ ጽድቅ (መስካሪ ሓቂ) ምዃን፡ ንቃለ እግዚአብሔር ዝነበሮ ትግሃት ለይቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕን ካልእን ካብኡ ክንመሃር ንኽእል። አማን ብአማን ኒቆዲሞስ ዓቢ መምህርና እዩ፤ ካብ ደምበ ምስሉውይነት “ሕይወት ኣይሁድ" ወጺኦም ናብቲ ኣቦታትና ቅዱሳን ዝተጋደሉሉ ደምበ ሓቀኛ ሕይወትን ብርሃንን ክጽምበሩ ዝግብኦም ኣለዉ እሞ ቤተ ክርስቲያንና ንኸምዚኦም ትብህጎም እያ። ናይ ዘመንና ኒቆዲሞሳውያን’ከ ነቲ ብርሃን መዓስ ይርእይዎን የስተውዕልዎን ይኾኑ? ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን ኣብዚ ዕለት ንእኡ ምዝካራ ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ እሞ ኣብነቱ ስዒብና በረኸቱ ክንረክብ ቅዱስ ኣምላኽና ፍቓዱ ይኹነልና። 

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብውን ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና፡ ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ወይስ ኣሕዋተየ፡ - ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ - ሰብ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብሕይወቱ ኸሎስ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት ዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪ ንኻልእ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንሥኤ ኽትኰኑ ብሥጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ሥጋ ኸሎና ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዐዪ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና? እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ? ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብትእዛዝ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ሕያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና ሓጢኣት ሕያው ኰነ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። (ሮሜ ፯፥፩-፱) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው ድማ የፍቅሮ ደኣ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ። (ቀዳማይ ዮሓ ፬፥፲፰-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ካህን፦ “ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዅሉ ሕዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሢኡ፡ ንሓዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡ በሎም ድማ ኣቱም ሰብ እስራኤል ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኹም ተጠንቀቑሉ። ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተንሥአ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። ብድኅሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንሥኤ ብዙኅ ሕዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዅሎም ድማ ተዘርዉ። ሕጂ ኸኣ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም ገለ ኣይትበልዎም እነግረኩም ኣሎኹ። ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሓዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።” (ግብ ሓዋ ፭፥፴፬-መፈጸምታ) 

                               ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ 
                                                        አመከርከኒ ወኢተረክበ አመጻ በላዕሌየ 
                                                        ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እምሕያው። (መዝ ፲፮፥፫)

                                                                    ንልበይ ፈተንካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካኒ፡ 
                                                                    መርሚርካስ ገለ እኳ ኣይረኽብካለይን፡ 
                                                                    ስራሕ ሰባት ኣፈይ ከይዛረብ ፈቓደይ እዩ።(መዝ ፲፯፥፫) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ ረቢ ብጀካ እግዚአብሔር ምስኡ ዝዀነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኣሎና በሎ። ኢየሱስ ድማ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ ንሰብከ ምስ ኣረገ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ? መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ? በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ሥጋ እተወልደ ሥጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል? ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ እዚዶ ኣይትፈልጥን? ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ? ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን።” (ዮሓ ፫፥፩-፳) 

                                                                                                                ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment